• ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ((06 ለካቲት 2025)
    Feb 6 2025
    ንሎሚ ሓሙስ 6 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት። ኣርእስታት ዜና፥ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ዘቕረቦ ሓሳብ፡ ቓዛ ብ ኣመሪካ ክውነንን ነበርቲ ቓዛ ድማ ናብ ካልእ ክግዕዙን ብሰፊሑ ኣብ መላእ ዓለም ኣዘራራቢ ዛዕባ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ይጣበቐሉ ኣሎ። ኣብ ሽወደን ልዕሊ 10 ሰባት ዝቐተለን ብዙሓት ዘቑሰለን ሰብ ፡ ስራሕ ዘይብሉ ሪካርድ ኣንደርሰን ከምዝበሃልን ፖሊስ ገሊጹ፡ሬሳኡ ኣብቲ ቦታ ከም እተረኽበ'ውን ኣረጋገጹ ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ጎማ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ብቕልጡፍ ክኽፈት ጸዊዑ ። ኣብ ኣመሪካ ብዘይሕጋዊ መገዲ ክነብሩ ዝጸንሑ ዝተባህሉ ልዕሊ 100 ህንዳውያን ስደተኛታት ብወተሃደራዊት ነፋሪት ናብ ሃገሮም ተጠሪዞም። ናይ ቀደም ተጻዋታይ A-F-L ዌስት ኮስት ኣዳም ሃንተር ኣብ መበል 43 ዓመት ዕድመኡ ዓሪፉ ።
    Show more Show less
    11 mins
  • ለበዋ ኣብይ "ህዝቢ ትግራይ ከም ደላዪ ኲናት ዘምስል ዘቕረቦ ተቐባልነት የብሉን፡”ሓላፊት ቤትፅሕፈት ህወሓት ወ/ሮ ፈትለወርቅ።
    Feb 5 2025
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ ኣርእስታት፡ ፍሉይ ልኡኽ ስዊዘርላንድ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ኣካይዱ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዩኤስኤይድ ዝድገፋ ሲቪል ማሕበራት ንብረትን ገንዘብን ከየመሓላልፋ ተኸልኪለን። ኬንያ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ሰራዊት ኦነግ "ወተሃደራዊ ስርሒት" ጀሚራ.።
    Show more Show less
    8 mins
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ለካቲት 2025)
    Feb 5 2025
    ንሎሚ ረቡዕ 05 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት: ** ኣብ ምዕራባዊ ቪክቶርያ ፡ በርቂ ንዘበገሶ ባርዕ ዱር ንምምካት፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ኣብ ልዑል ተጠንቀቕ ይርከቡ... ** ፖሊስ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ናይ ስዊድን ልዕሊ 10 ሰባት ዝቐተለ ድራኸ ይምርምር ... ** ስትራዲቫሪዩስ ቫዮሊን ኣብ ኒው ዮርክ ብ ኣስታት 18 ሚልዮን ዶላር ክትሽየጥ እያ ...
    Show more Show less
    4 mins
  • ደሞዝ ዝክፈሎ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ኣብ ኣውስትራሊያ ንመንን ብኸመይን'ዩ ዝርከብ፧
    Feb 5 2025
    ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደሓደ ወለዲ ካብ መንግስቲን ኣስራሕቶምን ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ክፍሊት ኽውሃቦም ይኽእል ። እንተኾነ ንኹሉ ሰብ ዝምልከት መሰል ኣይኮነን ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ትሕዝቶ ፤ ንዝወልዱ ወለዲ ዝወሃብ ደሞዝ ዝክፈሎ ናይ ወለዲ ዕረፍቲ እንታይ ከምዝረኽቡ ፤ ንመን ከምዝፍቀደሎም ፤ ብኸመይ ከምዝሕተት ክርእይ ኢና ።
    Show more Show less
    10 mins
  • ጸባ ገመል ዝደልዩ ኣውስትራሊያውያን እናበዝሑ ይኸዱ ኣለዉ፡ ንሓደ ሊትሮ $18 ዶላር ገዚእካ ግን የዋጽእ ዶ፧
    Feb 4 2025
    ጸባ ገመል ምስ ጸባ ላም ብዝመሳሰል መገዲ ፡ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃውያንን ማሕበረሰብ ከም መግቢ ኰይኑ የገልግል ኣሎ ። ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ብዛዕባ እቲ ካብ ባህላዊ ጸባን ውጽኢት ጸባን ዝወጽእ ኣማራጺታት ፡ እቲ ዝበለጸ ተደላይ ክኸውን ከም ዝኽእል ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ ኣሎ
    Show more Show less
    8 mins
  • ቃለ መሕትት ምስ ዶ/ር ሕሉፍ ኣበራ ብዛዕባ እቶም ዓበይቲ ሕማማት ማለት ሕማማት ሽኮር፡ ደም ብዝሒ፡ ካንሰርን ካልኦት ሕማማትን።
    Feb 4 2025
    ዶክተር ሕሉፍ ኣበራ ኣብ መልበርን ኣብ ሆፐር ክሮሲንግ ዝርከብ ሰንትራል ክሊኒክ ሓፈሻዊ ሓኪም እዩ። ዓበይቲ ሕማማት ከም ሕማማት ሽኮር፡ ደም ብዝሒ፡ ካንሰርን ካልኦትን ትምህርታዊ መብርሂ ሂቡና ኣሎ። ኣብዚ ትሕዝቶ ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ፧ መንቀሊኡ፧ ኣከናኽናኡን ምስኡ ዝተተሓሓዘ ሓበሬታን ገሊጹ ኣሎ።
    Show more Show less
    10 mins
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (04 ለካቲት 2025)
    Feb 4 2025
    ንሎሚ 04 ለካቲት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት: ** ሓንቲ ጎርዞ ብሻርክ ተነኺሳ ሞይታ... ** ኣብ ዋሺንግተን ድሕሪ ዝወረደ ግጭት ሂሊኮፕተርን ነፋሪትን መንነት ናይ 55 ምውታት ተለልዩ... ** ኣብ ኡጋንዳ ለበዳ ኢቦላ ተኸሲቱ ናይ ፈተነ ክታበት ይወሃብ ኣሎ።
    Show more Show less
    6 mins
  • MiniPod: Ep4 Talking about visas | Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 4ይ ክፋል፡ ዕላል ብዛዕባ ቪዛታት | ምጅማር | English on Repeat (Easy)
    Feb 3 2025
    Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: I came to work in Australia.| I have a student visa.| What visa do you have? | I want to become a permanent resident. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት እዚኦም'ዮም፣ I came to work in Australia.| I have a student visa.| What visa do you have? | I want to become a permanent resident.
    Show more Show less
    6 mins